ሰለስተ ሚእታዊት ናይቲ ናብ “በዓልመዚ ቊጠባዊ ገበን ሽወደን’ ዝለኣኽ ጸብጻብ ዘይሕጋዊ ንግድ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ክሲ ከም
ዝቐረበሉ ተፈሊጡ። እቲ መንግስታዊ ኤጀንሲ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጻኦ ጸብጻቡ እዩ ነዚ ገሊጹ ዘሎ።
ብርክት ዝበሉ ካብዞም ጥርዓን ዝቐረቦም ምሉእ ብምሉእ ሕጋዊ ኮይኖም ክርከቡ እንከለዉ፥ ኣዝዩ ገዚፍ መጠን ናይዚ ሕጋዊ
ንግድ ፍታሕ ከም ዘይተገብረሉ ነባር ኢንስፐክተር ““በዓልመዚ ፋይናንሳዊ ምክትታል ሽወደን” ገሊጹ።
"ከም ዝመሰለኒ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ውሽጣዊ ንግድ ዝለዓለ እዩ” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ።