ሙስሊም ኣመሪካዊት ኣባል ኮንግረስ፡ ኢልሃን ዑመር፡ ንእስራኤል፡ ኣመሪካን ጣሊባንን ብምምስሳላ፡ ካብ ኣባላት ዲሞክራስያዊ ሰልፊ’ታ ሃገር ወቐሳ ከም ዝዘነባ ተገሊጹ።
ንሳ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ ትዊተር ኣመሪካ፡ እስራኤል፡ ሓማስን ጣሊባንን ኣዝዩ ዓብዪ ግፍዒ ክፍጽሙ ርኢና ኣሎና ምባላ ዓብዪ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ። እዞም ደርዘን ዝኾኑ ኣይሁድ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ርእይቶኣ ከተነጽር እኳ እንተሓተትዋ፡ ወኪል ሚኒሶታ ዝኾነት ኢልሃን፡ ንሕቶኦም “ጓል መንገዲ” ክትብል ነጺጋቶ’ላ።
ንኣመሪካ ምስ ጣሊባንን ሓማስን ምስራዕ ኣዝዩ ዝንቡዕን ቊጥዐ ዘለዓዕልን ኣበሃህላ እዩ ክብል መራሒ እቲ ጒጅለን ኣባል ሰልፊ ዴሞክራትን ጄሪ ናድለር ብረቡዕ ገሊጹ ኔሩ። ከምዚ ዝበለ ዝንቡዕ ምምዕርራይ ንግብረ ሽበራውያን ከውሊ ካብ ምሃብ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን ኢሎም ኣለዉ እቶም ጒጅለ።
ኢልሃን ንእስራኤል ክትነቅፍ፡ እዚ ፋልማያ ዘይምዃኑ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ጒዳይ ካብ ኣባላት ሰልፋ ከይተረፈ ነቐፌታ ኣስዒቡላ ኣሎ ኢሉ። ኣብ 2019፡ እስራኤል ብገንዘባ እያ ሓገዝ ትረክብ ዘላ፡ ዝብል ኣመት ዘለዎ ርእይቶ ብምሃባ፡ ይቕሬታ ሓቲታ ምንባራ ይዝከር።