ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ካብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ሃዲሙ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድሕሪ ምእታዋ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ኣሽሓት ህዝቢ ሓጎሱ ክገልጽ ርችት ክትኲስን ባንዴራ ትግራይ ሒዞም ብሓጎስ ክጭፍሩ ተራእዮም ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ።
ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ክሳብ ትማሊ ንከተማ መቐለ ተቖጻጺሩ ዝነበረ መንግስቲ ፌደራል ኣብታ ክልል በይናዊ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተዂሲ ኣዊጁ’ሎ።
ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ኲናት ኣሽሓት ክሞቱ እንከለዉ 350 ሽሕ ሰባት ንጥሜት ከም እተቓልዑን ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ከም እተፈናቐሉን ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ዝሓልፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ሓይልታት ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ሓድሽ ኲናት ከም እተባርዐ ጸብጻባት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።
ምትሓዝ መቐለ ኣብዚ ኲናት ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ናብ ቦትኡ ዝተመልሰ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣንጸባራቒ መንግስቲ ምጒንጻፉ ድሕሪ ምግላጽ መቐለ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምህላዋ ሓቢሩ’ሎ።
መላእ ትግራይ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ናጻ ክሳብ እትኸውን ህዝቢን ዕጡቓትን ብተጠንቀቕ ክጸንሑ ድማ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ’ሎ።