ቆልዑ ርእሰ ታኣማምነት ከጥርዩ ብጣዕሚ አገዳሲ እዩ፣ እንተ ኮነ
# በየናይ ኣገባብ ከተማዕብሎ ትኪእል ናይ ውላድካ ርእሰ ምትእምማን?
# ብከመይ ኣወንታዊ ዝኮነ ስእሊ ናይ ደቂካ ትፈጥር?
# ኣየኖይ ግብረ መልሲ ናይ ወለዲ ንምዕባለ ናይ ቆልዓ ርእሰ ምትእምማን ኪጸልውዎ ይኪእሉ?
ርእሰ ታኣማምነት ማለት ታኣማምነት ኣብ ገዛእ ርእስካ ኮይኑ፣ ብከመይ ንነብስካ ኮንካ ምካድን ብከመይ ንነብሲካ ምምሳሊን የጠቃልል።እዚ ማለት ታኣማምነት ሓደ ነገር ንኪትገብርን ንኪትምሃርን እዩ። እዚ ኪኣ ምስ ክውንነት ኣጣሚርካ ዝርአ እዩ።
ዥኮነ ቖልዓ ኪውለድ ከሎ ምስ ርእሰ ታኣማምነት ኣይኮነን ዝውለድ እንታይ ዲኣ፣ ሓደ ቖልዓ ልዑል ተውህቦ ናይ ርእሰ ታኣማምነት ምምዕባል ኪህልዎ ይኪእል። ርእሰ ታኣማምነት ምስ ተወልደ ዘምዕብሎ ነገራት እዩ። ርእሰ ታኣማምነት ምስ ግዜ ዝህነጽ ነገራት እዮም።
ዉሑድ ርእሰ ታኣማምነት ዘሎዎም ቆልዑ ኣብ ግዜ ፈተንቲ እዋናት ብጣዕሚ እዮም ዝሽገሩ። እንተ ዲኣ እቲ ቖልዓ ንነብሱ ኩቡር ምካኑ እፍሊጥዋ። ኝነብሱ ብቐሊሉ ኣብ ከበዲ ዝኮነ እዋናት ኪካላከለላ ይኪእል እዩ። ባኣንጻሩ ርእሰ ታኣማምነት ዘይብሉ ቆልዓ ኪሽገር ይርኣ። ናኣብነት ንሓደ ዘይ ቁኑዕ ዝኮነ ሓሳባት ኪቓወም ኣይደሊን ወይ እዉን እንተ ዲኣ ጠቃዊመ እቲ ካሊእ ሰብ እንታይ ኪብለኒ እዩ እሉ ይጪነቕ።
ንርእሰ ታኣማምነት ኪጸልዉ ዝኪእሉ ረቓሒታት
# ኣሉታዊ ስእሊ-ሰብነት፥ ሓንሳብ ሓንሳብ ወለዲ ብዘይ እፍልጦ ነቲ ናይቲ ቆልዓ ነብሰ ስእሊ ኪጸልውዎ ይኪእሉ።
ንኣብነት ጹቡቅ ነጥቢ ኣብ ዘምጻኣሉ እዋናት ጥራይ ኣወንታዊ ግብረ መልሲ ምሃብ። እዚ ኪኣ ነቲ ቖልዓ ሓደ ርዲኢት ይፈጥረሉ ንሱ ኪኣ እቲ ቆልዓ ሕማቅ ውጺኢት ምስ ዘምጺእ ብወለዱ ተቀባልነት ከም ዘይረኪብ ምግባር። ብተወሳኪ ነቲ ቆልዓ ናብ ሓሶት ንኪዋፈር ይድርኮ፣ ብፍላይ ሕማቕ ውጺኢት ኣብ ዘምጺኣሉ። እዚ ጸቅጢ ኪኣ ነቲ ቆልዓ ናብ ፍርሒ ፣ ዘይምትእምማኒን ባህርያት ይገብረሉ።
# ርክባት ምስ ካሉኦት ሰባት፥ ይዕሩክትካ ወይ መማህርትካ ኣብ ሊዕለካ ዝህብዎ ውሳነታት ብዛዕባ ናትካ ጠባያት ወይ ማዕልታዊ ንጥፈታትካ። እዞም ነገርትንናይ ገዛእ ርእስካ ስእሊ ኪጸልውዎ ይኪእሉ እዮም። ዝበዝሐ እዋናት ደቂ ሰባት ነቐፈታ ንኪህቡ ይቀሎም ካብ ከተባብዕካ። እንተ ዲኣ ኣብ ቡዙህ እዋናት ነቀፈታ ጎኒፍካ፣ ነገራት ኪትገብሮም ከም ዘይትኪእል ኪትሓሲብ ትጅምር። በኣንጻሩ ምስ ዘተባብዑካ ብሰባት ተቐባሊነት ከም ዘሎካ ይገብረካ ከም ውጺ ኢቱ ኪኣ ንነብስካ ጽቡቕ ሲሚዒት ይፈትረልካ።
# ሓለፋታት ብወለዲ ዝግበር፡ ገለ ገል ወለዲ ዝተፈላለየ ዓይነት ግብረ መልሲ ንደቆም ይህብዎም ። በዚ ምክንያት ነቲ ቆልዓ ኣሉታዊ ዝኮነ ጽልዋ ይህቦ ኣብ ርእሰ ታኣማምነቱ። ገለ ወልዲ ካኣ ምስ ናይ ካሊኦት ይዕርክቶም ደቂ የወዳድርዎም ወይ ምስ ናይ በተሰቦም ደቂ የነጻጽርዎም። በዚ ምኪንያት እቲ ቆልዓ ንነብሱ ከም ቡቑዕ ኣይሓስባን።
# ንቆልዑ ኣቃልቦ ዘይምሃብ ፥ ንቆሉዑት ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይ ምሃብ ወይ ከም ዘሸልቸውካ መልእክቲ ምስዳድ ነቲ ቖልዓ ብጣዕሚ ኣሉታዊ ዝኮነ ናይ ርእሰ ታኣማምነት ሃዋሁ ይፈጥረሉ።
# ግርጭት ኣብ ሞንጎ ወልዲ፥ እንተ ዲኣ ኣብ ሞንጎ ወልዲ ዘሎ ምሕዝነት ሓርፋፍ ኮይኑ፣ ነቲ ናይቲ ቖልዓ ርእሰ ታኣማምነት ብኣሉታ ይጸልዎ። ብፍላይ ኪኣ እንተ እቶም ወልደ ኣብ ፍቲሕ በጺሖም፣ እቲ ቖልዓ ከም ናቱ ጥፍኣት ይሓስቦ። በዚ መንገዲ ኪኣ ርእሰ ታኣማምነት የጥፍእ።
# ዝተጋነኑ ኣድናቖት ምሃብ፥ እንተ ዲኣ ነቶ ቆልዓ ዝተጋነነ ኣድንቆት ትህቦ ኮንካ እሞ ኪኣ ካብ ኪውንነት ዝራሓቀ ኮይኑ። እቶ ቖሊኣ ጉጉይ ዝኮነ ስእሊ ናይ ሰብነቱ ይህልዎ እሞ። ንነግራት ብሙሉእ ዓቅሙ ንከይ ሰርሖም ኪኣ ይዕንቅጽዎ።
እንተ ኮነ ርእሰ ታኣማምነት ካብ ብዙሕ ምስራሕን ቡዙሕ ፈተነን ካብ ውድቐትካ ብምማሃርን እዩ ዝመጺእ ኣብዝመጼ መደብና ብከመይ ኣገባብ ንደቂካ ብኣወንታዊ ዝኮነ ኣገባብ ርእሰ ታኣማምነት ተማዕብለሉ ኪንርኢ ኢና።
ምንጪ: Eritreeërs Gezond