ኣብ ሩስያ ፍሉይ ድሙቕ ሕብሪ ዘለዎም ዋና ኣልቦ ኣኻልብ ኣቓልቦ ይስሕቡ ምህላዎም ተገሊጹ። እዞም ኣኻልብ ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ተረሓሒቐን ኣብ ዝርከባ ማእከላት ኢንዱስትሪ እዮም ነዚ ፍሉይ ሕብሪ ዘለዎ ጸጒሪ ከብቊሉ ተራእዮም ዘለዉ። ተመራመርቲ ሩስያ ነዚ ሚስጥራዊ ተርእዮ ንምፍታሕ ኣብ ምፍታ ምህላዎም ቢቢሲ ሓቢራ’ላ።
ሸውዓተ ዋና ኣልቦ ኣኻልብ ሰማያዊ ዝሕብሩ ጸጒሪ ኣብቊሎም ካብ ሞስኮ 370 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ጥርሙዝ ከተማ ዘርዚንስክ ከም እተረኽበ ዝገለጻ እተን ማዕከናት ዜና ስእልታት እዞም ኣኻልብ ሚልዮናት ሩስያውያንን ካልእ ህዝቢ ዓለምን ይቀባበሎ ኣሎ ኢለን ኣለዋ።
እዚ ዝተገልጸ ፋብሪካ ኣክሪሊክ ጥርሙዝን ኣሲድ ፕሩሲን ዘፍሪ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዞም ኣኻልብ ምናልባት ካብቲ ትካል ዝወጽእ ሰማያዊ ቅብኢ ብምንክብላል ዝረኸብዎ ከይኮነ ኣይተርፍን ክብላ እተን ማዕከናት ዜና ግምታተን ሂበን ኣለዋ።
ብ 13 ለካቲት ኣብ ኒዥኒ ኖቭጎሮድ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ናይ ደም መርመራ ከም እተገብረሎምን ገለ ኣሰር ሰማያዊ ቀለም ከም እተረኽቦምን ተገሊጹ’ሎ።
እቶም ኣኻልብ ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና ምህላዎም ሩስያ ገሊጻ’ላ። ይዂንምበር ካብ ፋብሪካታት ዝወጽእ መርዛም ከሚካላት ነቲ ጸጒሪ ኣኻልብ ከም ዝቕየር ጌሩ ዝብል ሻቕላ ከም ዘሎ እቶም ጸብጻባት ኣመልኪቶም።