ሩስያ ትሕተ-ቕርጺን ሞራልን ህዝቢ ዩክሬይን ንምስባር፡ተወሳኺ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከም ዘለዋፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ። ሩስያ ነዚመጥቃዕቲ ፍርያት ኢራን ብዝኾና ድሮናት “ሸሀድ” ከተካይዶትዳሎ ምህላዋ ስለያዊ ሓበሬታ ምርካቡ ዝለንስኪ ወሲኹሓቢሩ’ሎ። ሩስያ በዚ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣቢላ ን ዩክሬይንንምድቓቕ ወጢና ምህላዋ ዘለንስኪ ኣተሓሳሲቡ።
ዩክሬይን ኣብ ዞባ ዶንባስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሩስያመጥቃዕቲ ብምፍናው ኣማኢት ካብኣቶም ከም ዝቐተለትኣቐዲማ ምግላጻ ዝዝከር እዩ። ብተመሳሳሊ ሩስያ በዚመጥቃዕቲ ዩክሬይን 63 ወተሃደራታ ከም እተቐትልዋብዘይተለምደ ኣገባብ ምእማና ተፈሊጡ።
“ነዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ሩስያ ኸነፍሽል ኲሉ ዝከኣለናክንገብር ኢና” ክብል ዘለንስኪ ገሊጹ’ሎ—ብመሰረት ጸብጻብቢቢሲ።