ሩስያ ህላዌኣ ከቢድ ስግኣት ድሕነት እንተተፈጢሩ ኣጽዋር ኲናት ኒኩሌር ክትጥቀም ከም እትኽእል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዲመትሪ ፑስኮቭ ትማሊ ተዛሪቡ።
እቲ ወሃቢ ቃል ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕተት ፕሬዝደንት ፑቲን ኣጽዋር ኲናት ኒኩሌር ንምጥቃም ኣብ ግምት ከእትዎ ይኽእል’ዶ? ዝብል ሕቶ ቐሪብሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ስግኣት ህልወ” እንተገጢሙዋ ክትጥቀሞ እያ ክብል ተዛሪቡ።
ነዚ ስዒቡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ኣጽዋር ኒኩሌር ከም ዘይትጥቀም መረጋገጺ ዘይምሃባ ጌጋ እዩ ክብል ኮኒኑ።
ሩስያ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሓ እትውንን ሃገር እያ። ድሕሪ ምጅማር ኲናት ዩክሬን ድማ ፕሬዝደንት ፑቲን ኣጽዋር ኑኩሌር እታ ሃገር ኣብ ተጠንቀቕ ክኾኑ ከም ዝኣዘዘ ይዝከር።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ሩስያ ምጥቃም ኣጽዋር ኒኩሌር ዝምልከት ዝሃበቶ ርኢይቶ “ሓደገኛ” እዩ ኢሉ።
“እዚ ሓላፍነት ካብ ዝስምዖ ወናኒ ሓይሊ ኒኩሌር ትጽቢት ዝግበር ኣይኮነን” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣመሪካ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ሞስኮ ይከታተሎ ምህላው ገሊጹ።
BBC TIGRINJA