ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ምስ ወኪል ጣሊባን ኣብ ካቡል ድሕሪ ምርኻብ፡ ሩስያ፡ ንመንግስቲ ጣሊባን ኣፍልጦ ንምሃብ ዘሀውኽ ከም ዘይብላ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሩስያ ነቲ ሓድሽ ዝቐውም መንግስቲ ጣሊባን ኣፍልጦ እትህቦን እትኸልኦን ብተግባሩ እዩ ክብል ሓላፊ ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ዛሚር ካቡሎቭ፡ ገሊጹ ክብል ኤጀንሲ ኢንተርፋክስ ኒውዝ ሓቢሩ’ሎ።
ንሱ፡ ጣሊባን ኣብ ዝቕጽል ግዜ፡ ነታ ሃገር ክሳብ ክንደይ ሓላፍነታውያን ኮይኖም ከም ዝመርሕዋ ምርኣይ ከድልየና እዩ ክብል ኣስሚርሉ። ምስ መደበር ሬድዮ ኤኾ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ጣሊባን ከም ዳዕሽ (ISIS) ክኾኑ እዮም ዝብል ስግኣታት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ጣሊባም ብወገኖም፡ ብስልጡን ኣገባብ እትመሓደር ኣፍጋኒስታን ክሃንጹ ምዃኖም ንሩስያ ቃል ኣትዮምላ ኣለዉ። ነታ ሃገር ካብ ሽበራን ዕጸፋርስን ሓራ ክገብርዋ ምዃኖም ንኣምባሳደር ሩስያ ሓቢሮሞ ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብዚ እዋን፡ ቀጽሪ ኤምባሲ ሩስያ፡ ብሰራዊት ጣሊባን ይሕሎ ምህላዉ ተፈሊጡ።