ተወከልቲ ሩስያን ዩክረይንን፡ ብመንጐኛነት ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን ኣብ ዝምእከል ዘተ ሰላም ንምዝርራብ ኣብ ኢስታምቡል ቱርኪ ከምዝተረኸቡ ተፈሊጡ’ሎ።
ተዛተይቲ ክልቲአን ሃገራት ገጽ ንገጽ ክራኸቡ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንፈለማ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብቲ ሎሚ ንግሆ ዝጀመረ መድረኽ ዘተ ሰላም፡ መልእኽቲ ዘሕለፈ ኤርዶጋን፡ “ኣብዚ ወሳኒ እዋን ክነአንግደኩም ብምኽኣልናን፡ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት እጃምና ብምግባርናን ሕጕሳት ኢና” ክብል ተዛሪቡ።
ኣስዒቡ፡ “እዚ ኣኼባን ዘተን ንሃገራትኩም፣ ንዞባናን ንዅሎም ደቂሰብን ተስፋ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ክኸውን እምነ፡” ኢሉ።
ሃገሩ ነዚ መድረኽ ዘተ ንምድላው ዝተገደሰትሉ ምኽንያት፡ እቲ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ምሕዝነት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
BBC TIGRINJA