ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝተመዝገቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾነ ሰባት 17 ሽሕ በጺሑ። ብድምር ክረአ እንከሎ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ዝተመዝገቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኣስታት 200 ሽሕ በጺሑ ምህላዉን እዚ ድማ ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 8.8% ክብ ኣቢልዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብ ግዜያት ወርሒ ሰኔ ብዙሓት ሰባት ስራሕ ደልዮም ይምዝገቡ እዮም። እዚ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ እንተሃልዩ ግን ብዙሓት መንእሰያት ስራሕ ደልዮም ምምዝጋቦም እዩ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ምዕጻው ናይተን ኣብ ግዜ ክረምቲ መንእሰያት ስራሕ ዝረኽቡለን ዝነበሩ ሆቴላት፡ ቤት ምግብታትን ንግድታትን ምዃኑ ሓላፊት ጨንፈር ምርምርን መጽናዕትን ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ኣኒካ ሶንዴን፡ ገሊጻ።
ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብብዝሒ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ዝተመዝገቡላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተምዝጊባ ኣላ። ኣብ መንጎ እቶም ዝተመዝገቡ ሰባት ኣስታት 7 ሽሕ ዝኾኑ መንእሰያት ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዕድመ ዘለዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ’ዞም መንእሰያት ካልኦት ዘይመሃሩ፡ ዘይሰርሑን ስራሕ ደልዮም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዘይተመዝገቡን መንእሰያት ምህላዎም ብድምር ኣስታት 65 ሽሕ ስራሕ ኣልቦ መንእሰያት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ሶንዴን ብተወሳኺ ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ስራሕ ደው ከይብሉ መጠንቀቕታ ዝወሰዱ ሰባት ልዑል’ኳ እንተኾነ ምስ ዝሓለፉ እዋናት ክነጻጸር እንከሎ ግን ዝተሓተ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ዝበዝሑ መጠንቀቕታ ዝወሰዱ ሰራሕተኛታት እቶም ኣብ ጽላት ፋብሪካታት ዝነጥፉ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ እቲ ሓደጋ ጌና ኣይተኣልየን ዘሎ። ግዝያዊ ስራሕ ምቁራጽን ምጉዳል ሰዓታት ስራሕን ዝኣመስሉ ብመንግስቲ ዝተወስዱ ስጉምታት ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ከይስዕርር ዓጊቱ ሒዝዎ ክትብል ሶንዴን ገሊጻ።
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ ከምዝኽእል ገምጋም ኣለና። ሓድሽ ገምጋምና ጽባሕ ከንቕርብ ኢና ክትብል ሶንዴን መግለጺኣ ዛዚማ።