ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ዝውሰድ ስጉምቲ ምዕጻው መዋእለ ህጻናት፡ ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ገሊጹ። እዚ መጽናዕታዊ ምርምር፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካ፡ ኖርወይን ሽወደንን ዝርከባ መዋእለ ህጻናት፡ ንምቁጽጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምታት ዘወዳደረ ምንባሩ ጠቒሱ።
ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ እተን መዋእለ ህጻናት ከይዓጸዋ ዝጸናሓ ሃገራት ሽወደንን ታይዋንን ጥራይ እየን ነይረን። ካልኦት ሃገራት፡ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ንኽወስዳ ኣብ ውድድር ዝነበራ እየን ዝመስላ። ኣብ ሽወደን፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ህጻናት፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ ምንባሩን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ መምህራን ዝተራእየ ሕማም ነይሩ ዝብል ምርትዖ ከምዘየለ ይፍለጥ። ስለዝኾነ ድማ፡ መዋእለ ህጻናት ንኽዕጾ ዘኽእል ብቑዕ ምኽንያት የለን ክብል ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ዝኾነ ፕሮፌሰር፡ ኢንግሪድ ፕራምሊን ሳሙኤልሰን፡ ገሊጹ።