ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ምዕራብ ሽወደን ጥራይ ኣስታት 400 መምርሒ ፍቓድ መኪና ከምተሳሕበ ተፈሊጡ። ኣብ ዓመተ 2019 ኣስታት 170 መምርሒ ፍቓድ መኪና ከምተሳሕቡ ይዝከር ክብል ጋዜጣ P4 ዮቶቦሪ ገሊጹ።
መብዛሕትኦም መምርሒ ፍቓድ መኪና ዝተሳሕብሉ ምኽንያት ብሰንኪ ፍጥነት ምኻኑ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።
እቲ ዝተመዝገበ ፍጥነት፡ ካብ 50 ክሳብ 60 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ልዕሊ’ቲ ዝለዓለ ፍጥነት ምኻኑ ሓላፊ ፖሊስ ምዕራባዊ ከባቢ፡ ኣንደሽ ስሺፍ፡ ገሊጹ።
ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ጸልይዎ እዩ። ጽርግያታት ብተዛማዲ ትሑት ጻዕቂ መካይን ስለዘለዎም ኣብ’ዚ እዋን ብዙሓት ሰባት ብፍጥነት መካይን ክዝውሩ ይርኣዩ ኣለዉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብርክት ዝበሉ መምርሒ ፍቓድ መኪና ተሳሒቦም።
ካብቶም ብሰንኪ ልዑል መጠን ፍጥነት ብፖሊስ ደው ዝበሉ መራሕቲ መካይን፡ ኣስታት 90% መምርሒ ፍቓድ መኪነኦም ከምተመንጠሉ ኤክስፒሪስን ገሊጹ።
ጽገና ኣብ ዝካየደሎም ጽርግያታት፡ መጠን ፍጥነት ንምጉዳል ዝሕብር ሕጊ ክኽበር ኣገዳሲ እዩ። ፖሊስ ድማ ንጥሕሰት እዚ ሕጊ ብዝምከት ብዕቱብ ክሰርሓሉ ብምጽንሑ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት 55 መምርሒ ፍቓድ መካይን ከምዝሰሓበ ሲሸፍ ሓቢሩ።