ዕዳጋ ብርኪ ሽወደን ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ብናህሪ ምንቊልቋሉን እዚ ድማ ቀጺሉ ክስዕብ ንዝኽእል ምውዳቕ ዘመልክት እዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ቊጠባ ትንታነኦም ሂቦም ኣለዉ። “እዚ ምውዳቕን ሓድሽ ፋይናንሳዊ ቅልውላውን ብፍላይ ነቶም ተነካእቲ ክፍላት ሕብረተሰብ ክጸሉ ይኽእል እዩ” ይብል ክኢላ ስነቚጠባ ተሌቪዥን ሽወደን ትሪንዝ ሮግኖድ።
ፍርሂ ዓለምለኸ ቊጠባዊ ምውዳቕ ድሕሪ 2008 ዝተኸሰተ ቅልውላው ብባንክታት ዓለም ዝተወስዱ ስጒምቲታት ዝወለድዎም እዮም ከም ዝበሃል እቲ ጸብጻብ የመልክት። “ብመሰረቱ ባንካታት ክልቃሓን ገንዘብ ከሕትማን ንግዚኡ ብኸምኡ ክቕጽላን ንቡር እኳ እንተነበረ ብእኡ ምቕጻለን ግና ሕማቕ ሳዕቤን ኣኸቲሉ’ሎ” ድማ ኢሉ።
እዚ ምውዳቕ ዕዳጋ ብርኪ ዝመጽእ ዓመት ክኽሰት ይኽእል እዩ ተባሂሉ ከም ዝፍራህ፥ አረ”ውን ካብኡ ብዝቐልጠፈ ክኽሰት ከም ዝኽእል ዘሕብሩ ምልክታት ብኣግኡ ይረኣዩ ምህላዎም’ውን ተገሊጹ’ሎ።