ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ፡ ኣብ ዓመተ 1971 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኖርዲክ ዝግበር ምትሕግጋዝ እዩ። እዚ ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ፡ ሽሙ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ቤት ምኽሪ ሚኒስትሪ ዘይኮነስ ብርክት ዝበሉ ቤት ምኽሪታት እዮም። እቲ ንሓደ ንጹር ፖሊሲ ዝምልከት ሚኒስትሪታት ሃገራት ኖርዲክ፡ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትሪታት ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ፡ ብርክት ዝበለ ግዜ ይእከብ። እዚ መስርሕ ዘይምልከቶም ቤት ጽሕፈታት፡ ካብዚ ሚኒስትሪ ቤት ምኽሪ ኖርዲክ ሃገራት ወጻኢ ዝኾኑ ጉዳያት ሚኒስተር ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን ይርከብዎም። እዚ ማለት ግና እዞም ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪታት፡ ብብርኪ ሃገራት ኖርዲክ፡ ኣኼባታት ክገብሩ ኣይክእሉን’ዮም ማለት ኣይኮነን።