ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዞባውያን ምትሕብባራት፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኖርዲክ ሃገራት ዘሎ ወግዓዊ ምትሕግጋዛት ካብቶም ገዳይምን ዓቢ ጽልዋ ዘለዎምን፡ ሓደ፡ እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ምትሕብባር፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ባህግታትን ዝተመስረተ ኾይኑ፡ ውዕዉዕ ዝኾነ ምዕባለን ናይ ኖርዲክ ሃገራት ተወዳዳራይነትን ተሞክሮን ንኸበርክትን ውጽኢት ንኸፍሪን ዝዓለመ ምትሕብባር እዩ።
እቲ ኣብ ዓመተ 1952 ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ሃገራት ኖርዲክ፡ ካብ ዴንማርክ፣ ፊንላንድ፣ ኣይስላንድ፣ ኖርወይ፣ ሽወደን፣ ደሴታት ፋሮእ፣ ግሪንላንድን ኦላንድን ዝርከቡዎም 87 ኣባላት ኣለዎ። እዞም ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣባላት ናይ ሕድሕድ ባይቶታት ኮይኖም በብዝምልከቶም ውድባት ተሓጽዮም በቲ ናታቶም ባይቶ ኣቢሎም ዝተመረጹ ኣባላት እዮም።