ምቅላሕ ውጽኢት ናይተን ኣብ ምላእ ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ቤት ትምህርታት፡ መባእታ፡ ካልኣይ ደረጃን ናይ ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ብምስጢር ክተሓዝ ምዃኑ ተሓቢሩ። ሃገራዊ ኤጄንስያ ትምህርቲ ነቲ ወጺኡ ዝነበረ ምልክታ ክስሕቦ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ስኮልቮርድለን (Skolvärlden) ኣቃሊሑ።
ሃገራዊ ኤጀንስያ ትምህርቲ፡ ነዚ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ዝሓለፈ ክረምቲ ቤት ፍርዲ፡ ንጉዳይ ነጥብታትን ገምጋማትን ናይቶም ኣብ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርታት ዝመሃሩ ተማሃሮ ኣመልኪቱ፡ ከም ናይ ንግዲ ምልክት ኮይኑ ክዝርጋሕ ዘይግበኦ እዩ ክብል ስለዝወሰኖ እዩ። እቲ ውሳኔ ነተን ዘይመንግስታውያን ቤት ትምህርታት ዝምልከት እኳ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ኤጀንስያ ሽወደን፡ ነቲ ተዘርጊሑ ዝነበረ ውጽኢት ናይ መንግስታውያን ቤት ትምህርታት ክስርዞ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩለን ቤት ትምህርታት ማዕረ ዝኾነ ዕድላት ክረኽባ ኣለወን ክብል ገሊጹ። እቲ ሓበሬታ፡ ብደረጃ ሃገር ጥራይ ክተሓዝ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ምዝርጋሕ ውጽኢት ናይ ቤት ትምህርታት ከም መዝገብ ቁጽሪ ቴሌፎን ዝመሳሰል እዩ። ብኸመይ ኣገባብ ምስጢራዊ ክኸውን ይኽእል ክብል ኣብ ስቶክሆሎም ዩኒቨርስቲ፡ ናይ ስነ-ቁጠባ ፕሮፌሰር ዝኾነ ዮናስ ቭላቾስ ንጋዜጣ ስኮልቮርድለን (Skolvärlden) ሓቢሩ።