እቲ ኣብ ዮተቦሪ ንግሆ ምድሪ ብፖሊስ ኣብ ገዝኡ እተታሕዘ ሰብ፡ ምስቶም ናይ ሃገረ እስልምና ኣሸበርቲ ጉጅለ ምትእስሳር ከም ዝነበሮ ዮተቦሪ ፖስተን ሓቢሩ። እቲ ሰብኣይ ካብቲ ምስ ደዓሽ ኮይኑ ዝዋጋኣሉ ዝነበረ ቦታ ምስ ተመልሰ ብምስጢር ይሕሎ ነይሩ። ንሱ ክልተ ዓመት ይገብር ምስ ውላዱ ኣብ ሶርያ ነይሩ። ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ ኣብቲ ንሱ ዚቕመጠሉ ቦታ ተተኳሲ ነገር ርእዮም፡ ድሕሪ ነዊሕ ምርመራ ድማ ነቲ ሰብኣይ ሒዞምዎ። ንሱ ወዲ 35 ኢዩ። ተተኮስቲ ብምሓዝ ድማ ተኸሲሱ ኣሎ።