ምስ ቃለመጠይቅ: ልእልቲ ዳያና: ዝተኣሳሰር መርመራ ድሕሪ ምክያዱ: ቢቢሲ: ኣድላዪ ለውጢታት ንኽገብር መንግስቲ ዕድል ከም ዝሃቦ ተገሊጹ። ብመሰረት እቲ መርመራ: ጋዜጠኛ ቢቢሲ: ኣብ 1995 ንልእልቲ ዳያና ቃለመጠይቕ ንምግባር ምትላልን ዓሎቕን ከም እተጠቕመ ተጠቒሱ’ሎ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ዳግማይ ክሕሰብ’ውን የብሉን ዝበለ ቦሪስ ጆንሰን: ቢቢሲ: ኣብ ቅርጺ ምምሕዳሩ ገለ ጽገናታት ከየድልዮ ኣይተርፍን እዩ ክብል ገሊጹ።
ጋዜጠኛ በሺር: መታለሊን ዘይእሙንን እዩ ኔሩ: ክብል ፕሮግራም ፓኖራማ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ገሊጹ’ሎ።
ወዳ ንመዋቲት ልእልቲ ዳያና ዝኾነ ልኡል ዊልያም: ነዚ ጸብጻብ ዘውጽኡ: ሎርድ ዳይሰንን ጒጅለኡን: ድሕሪ ምምስጋን: ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ናይ ሓሶት ሰነዳት ብምጥቃምን ጻዕዳ ሓሶት ብምፍብራኽን ኣደይ ምስኦም ቃለመሕትት ክትገብር ጸቕጢ ምፍጣሮም ከይኣክል: ብዛዕባ ንጒሳዊ ቤተሰብ ነውረኛ ሓሶት ብምቅላሕ: ፍርሂ ምጥርጣርን ተነጸሎን ክጸዓና ምግባሮም: ኣዝዩ ዘሕዝን ተግባር እዩ ኢሉ።
ኣደይ: ብጸቕጢ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ተደሪኻ ዝሃበቶ ቃለመሕትት: በዚ ድባብ እተጸለው እዩ ኔሩ፥ እዚ ድማ ኣብ መንጐ ወለደይ ዝነበረ ኲነታት ሓዳር መሊሱ ክበላሾን ብዙሓት ኣባላት ስድራቤት ክጒድኡን ጌሩ እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።