ምምሕዳራት ከተማ ከምኡ’ውን ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን፡ ብምኽንያት ናህሪ ዋጋ ካርታመ ብዙሓት ውጥናትን ፕሮጀክቲታትን ጽገና ጎደናታት ምውዛፉ ተገሊጹ። ዋጋ ካርታመ፡ ክሳብ 40% ወሰኽ ምርኣዩ ዝፍለጥ እዩ። ካርታመ ዘፍርያ ኲባንያታት ሽወደን፡ ምስ ምጅማር ኲናት ዩክሬይን ካብ ሩስያ ዘእትውኦ ዝነበራ ፍርያት ብምስኣነን፡ እዚ ቅልውላው ከም እተኸስተ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
ጽርግያታት ኣብ ግዜኦም እንተዘይጸጊኖም፡ ወጻኢታት ህንጻ ኣብ ዝተናውሐ ዝኸበረ ክገብሮ ይኽእል እዩ–ብመሰረት እታ ሬድዮ።