ኣብ ብሕታዊ ናይ መጠንቀቕታ ኲባንያ ኣተርቦ ዝሰርሑ ሰለስተ ሰባት ን መሰል ምዝራቚ ሓበሬታ ብምግሃሶም ተኸሲሶም። ኣቐድም ኣቢሉ ብ ኣካየድቲ ስራሕ ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ተዋሂብዎም ምንባሩ እቲ ክሲ ኣመልኪቱ። ሓንቲ ሰራሕተኛ እዚ ኲባንያ ኣብቲ ኣትሰርሓሉ ትካል መምርሒታት ኮቪድ-19 ሸለል ይበሃሉ ምንባሮም ንሓደ መራኸቢ ብዙሃን ምግላጻ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ተግባር ን ኣዋጅ ማለት ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ብሕታውያን ኲባንያታት ንመራኸቢ ብዙሃን ሓበሬታ ናይ ምሃብ መሰሎም ዝጥሕስ እዩ ክብል ኣኽባር ሕጊ ምኽንያት ክሱ ኣብሪሁ’ሎ።