ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ እቲ ምስ ህወሓት ዝካየድ ድርድር ክቕፅል ምዃኑ ኣፍሊጣ።
ንሳ፡ ሎሚ ሰኑይ 10 ጥቅምቲ 2022 ኣቆፃፅራ ኤውሮጳ፡ ዘመነ ስራሕ 2015 [ኣ.ግ] ባይቶታት ተወከልቲ ህዝብን ፌደረሽንን ብወግዒ ምኽፋቱ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን’ያ ነቲ መግለጺ ሂባ።
እቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይክኣለ ይግለጽ።
ብዘይካ’ዚ ካብቶም ኣሸማገልቲ ሓደ ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ዘተ ክጅምር ዝተወጠነሉ መዓልቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ካልእ መደብ ስለ ዝተደረበ ከም ዘይሳተፍ ዝገልጽ ደብዳበ ናብቲ ኣቦ መንበር ጽሒፉ ነይሩ።
ነቲ መስርሕ ዘተ ዝምልከት ንጹር ዝርዝር ክወሃቦ’ውን ኬንያታ ጠሊቡ’ሎ።
እቲ ኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ዘምጽኦ ለውጢ የለን።
ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት’ ተኣዊጁ’ኳ እንተነበረ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ውግእ ዳግም ብምውልዑ እቲ ኵናት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014 (ግእዝ) ዓበይቲ ኣሉታውን ኣወንታውን ፍፃመታት ከምዘአንገደት ዘዘኻኸረት እታ ፕረዚደንት “ዓወታት ከምዝነበሩና ዓበይቲ ብድሆታት እውን ኣሕሊፍና ኢና። ንህዝብና ናብ ሓዘንን ጭንቅን ክኣትው ዝገበሩ ፀገማት ነይሮም’ዮም” ኢላ።
ብፍላይ ጎንፅታትን ምፍንቓል ዜጋታትን ካብ ሞንጎ እታ ሃገር ዘይተሳገረቶም ብድሆታት ከምዝኾኑ ንኣባላት ክልቲኦም ባይቶታት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ሓቢራ።
“ካብዚኦም እቲ ሓደ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ካልኦት ከባብታትን ዝተፈጸሙ ጃምላዊ ጨፍጫፋት ብኣሉታ ዝዝከሩ እዮም። እዚኦም ድማ ንልቢ መብዛሕትና ዝሰበሩ እዮም” ኢላ።
Källa BBC Tigrinja