ምስጢራዊ ጸብጻባት ፖሊስ ከምዝሕብሮ፡ 4 ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝሰርሑ ፖለቲከኛታት፡ ምስተን ብስድራ ቤታት ዝምራሓ ገበናውያን መርበባት ርክብ ከምዘለዎም ተፈሊጡ።
እዞም ኣርባዕተ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ፖርላማ ሽወደን ኮይኖም፡ ክልተ ወከልቲ ሰልፊ ሞደራትና ዝነበሩ፡ ሓደ ወኪል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ዝነበረን ሓደ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወኪል ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትስ ዝኾነ፡ ሮበርት ሃሊቭ፡ እዮም። እዞም ፖለቲከኛታት ኣብ ዝወስድዎ ውሳኔታት፡ ረብሓ ናይዘን መርበባት እናሓለዉ ከምዝኸዱ፡ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ሮበርት ሃሊቭ፡ ካብ ዓመተ 2010 ጀሚሩ መዝነት ወኪል ሰልፊ ኣብ ፓርላማ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣባል ዝተፈላለያ መንግስታውያን ኮሚቴታት ውን እዩ። ምስ ገበናዊ መርበብ ሶደርታልያ ድማ ርክብ ከምዘለዎ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ሃሊቭ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ወሪዱ ዘሎ ክሲ፡ ጠቐነን ቤላ ቤለውን እዩ ክብል መሊሱ ኣሎ።
ኣብ ሽወደን ኣስታት 40 ዝኾና ብስድራ ቤታት ዝምራሓ ገበናውያን መርበባት ከምዘለዋ፡ ፖሊስ፡ ይሕብር። እተን ቀንድን ዓበይትን ዝበሃላ ኣርባዕተ መርበባት ኮይነን፡ መርበብ ሶደርታልያ፡ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ መርበባት ምዃና ትፍለጥ። መርበብ ሶደርታልያ፡ መጠነ ሰፊሕ ገበናዊ ንጥፈታት ተካይድ ኮይና፡ ኣብ ጎነጽን ምፍርራህን ኣጽዋርን ዕጸፋርስን ዘስሉኽን (ብኮንትሮባንዳ ዘሕልፍ) ገንዘባዊ ገበናት ዝፍጽም መርበብ እዩ።