ብርክት ዝበሉ ቈልዑ ናይ ኢድ ሳኒታርይዘር ብምስታዮም ይምረዙ ምህላዎምን እዚ ቁጽሪ ካብ ወርሒ ለካቲት ክውስኽ ከም እተራእየን ማእከል ሓበሬታ ምምራዝ ሽወደን (Giftinformationscentralen) ሓቢሩ።
ንእሽቶ ቈልዓ ናይ ኢድ ሳኒታይዘር እንድሕር ሰትዩ ብርቱዕ ሕማም ሽኮር ክሕዞ ከምዝኽእልን ብምጥቃስ ተቐላጢፉ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረክብ ይግባእ ክትብል ኣብቲ ማእከል እትሰርሕ ዶክተር ዮሃና ኖርድማርክ ጠቒሳ ክብል SVT ሓቢሩ።
ካብ ለካቲት ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ እቲ ማእከል ብሰንኪ ብናይ ኢድ ሳኒታይዘር ዝሰዓቡ ሓደጋታት ብርክት ዝበሉ ጻውዒታት ምቕባሉ፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን እዚ ተርእዮ ብዕጽፊ ምውሳኹን ድማ ተመልኪቱ።
ኖርድማርክ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ካብ 60% ክሳብ 70% ዝኾኑ ግዳያት ናይዚ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ካብ 1 ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ዕሸላት ዘጋጠመ ምዃኑን ድሕሪ ምግላጻ ህጻናት ኣብ ኢዶም ዝሓዝዎ ነገር ናብ ኣፎም ምእታው ልማዶም እዩ። ስለዝኾነ ድማ ናይ ኢድ ሳኒታይዘር ዘይሰትዩሉ ምኽንያት ኣይክህሉን እዩ ክትብል ወሲኻ።
ናይ ኢድ ሳኒታይዘር ልዑል መጠን ኣልኮል ኣለዎ፡ ውሑድ ዓቐን ምስ ዝቕመስ ሃሳይ ኣይኮነን፡ ንዕሸላት ግን ብቐሊሉ ከስክሮም ይኽእል እዩ ዝበለት ኖርድማርል ምኽንያት ብዝሒ ናይዞም ሓደጋታት ድማ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢራ።
ዛጊት ጽጹይ መጽናዕቲ እኳ እንተ ዘይገበርና እቲ ምኽንያት ንሱ እዩ ዝመስለኒ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ኢድ ሳኒታይዘር ብብዝሒ ንጥቀም ብምህላውና ህጻናት ብቐሊሉ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም”።
24 ሰዓት ኣብ ስራሕ ብምህላውና ኣብ ዝደለዂሞ ሰዓት ክትድውሉልና ትኽእሉ ኢኹም ክትብል ብምውሳኽ ሳኒታይዘር ብምስታዮም ሕክምናዊ ረድኤት ዘድልዮም ህጻናት ክመጹ ከም ዝኽእሉ ሓቢራ’ላ።