ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ቦደን፥ ኣብ ወቕቲ ሳመር ዝህሉ ሕጽረት ስታፍ ንምፍታሕ ሓድሽ ኣገባብ
ትኽተል ምህላዋ ተፈሊጡ። ምምሕዳር ከተማ ቦደን ነዚ ሕጽረት ስታፍ ምስ ኤጀንሲ ምቚጻር ስራሕ ስፔይን ብምትሕብባር እያ
ክትኣልዮ ትፍትን ዘላ። በዚ ድማ ን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ቋንቋ ሽወደን ዝተማህራ ትሽዓተ ተሓጋገዝቲ ነርሳት ስፔይን፥ ኣብዚ ሳመር
ኣብ ክንክን ሕክምና ሽማግለታት–ኤሪክስሉንድ–ስራሕ ክጅምራ እየን። እዚ ትካል ክቱር ናይ ምርሳዕ ጸገም ዘለዎም
ሽማግለታት ዝእለዩሉ መደበር ክንክን እዩ።
"እዘን ሰራሕተኛታት ስልጠናን ተመኲሮን ምውሳደን ዘሐጒስ እዪ። ምኽንያቱ ኣብ ሽወደን እኹላት ሰባት ምርካብ መሸገረና
ኔሩ" ክትብል ኣመሓዳሪት “ኤሪክስሉንድ” ኣኔት ሳንድስትሮም ገሊጻ’ላ።