ክፍሊ መጓዓዝያ ካብ ምጅማር ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ነዚ ምውሳኽ ዋጋ ኣብ ጽርግያታት እዛ ከተማ ክትግብሮ ምዃኑን ምስ ሕጂ ዘሎ ብምውድዳር ንዝበዝሑ መዓልታት ኣብ ስራሕ ዝውዕል ከም ዝኸውን እውን ሓቢሩ’ሎ። እዞም ዝስዕቡ ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት እዚ ሓድሽ ውሳኔ ካብ ዝተመሓላለፉ ኾይኖም ገለ ካብ ኣቶም።
-ኣብ ክፍሊት ዝህሉ ለውጢ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ቀንዲ መንገዲ E4 ን E 20 ብመኪና ክጐዓዝ ዝደሊ ዝምልከት እዩ።
-ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ኣብ መዓልታት ቀዳመ ሰንበት ካብ ሰዓታት 6 ንግሆ ክሳብ 6፡30 ምሸት ክትግበር እዩ። እዚ ድማ ኣብዚ ሰዓታት ንዝህሉ ጻዕቒ ትራፊክ ክንክዮ እዩ ተባሂሉ ተኣሚንሉ’ሎ።
-ዛጊት ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝኾነ ክፍሊት የለን፥ እዚ ለውጢ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንኣውቲስቲ ክፍሊት ብምስላዕ ክጅምር እዩ።
– ክፍሊታት ቅድሚ በዓላት ኣብ ዘለዉ ግዜያት እዮም ክፍጸሙ። ብዘይካዚ ዓመት ናብ ክልተ ጠርዚ ወቕቲታት ከም እትምቀል እያ።
እቲ ቀዳማይ ወቕቲ ካብ መጋቢት ሓደ ጀሚሩ ክሳብ ሚድሳመር እቲ ኻልኣይ ድማ ካብ ነሓሰ 15 ጀሚሩ ክሳብ ሕዳር 30 እዩ። ክፍሊት ብመጠን ምዝዋርካን ንልዳት ኮሌክሽን ክንደይ ሳዕ ሰጊርካዮን ኣብ ዝብል ዝምርኰስ ኮይኑ ኣብ መዓልታት ጠርዚ ወቕቲታት ግና ዘወርቲ መኪና ብውሕዱ ክሳብ 14 ዶላር ወይ 135 ክሮነር ክኸፍሉ እዮም። ኣብ ታሕታይ ወቕቲ ዝለዓለ ክፍሊት 105 ክሮነር ክከውን እዩ ተባሂሉ’ሎ።