ካብ ብዙሓት ተጣበቕቲ ዝወርድ ዘሎ ንቐፌታታት ከይተገደሰ ምምሕዳር ከተማ ስቶኮሆልም ንስእለ ጽዩፍ ( ፖርኖግራፊ)ን ጎነጽን ዘሳስዩ መርበብ ሓበሬታ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ምእላዮምን ትመሃሮ ከም ዘይረኽብዎም ዝገብሩ ናይ መንፈዪ ኣገባብ ምትእትታዎምን ተገሊጹ።
“ጎነጽን ስእለ ጽዩፍን ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም እዮም፡ ክልቲኣቶም ምንም ረብሓ የብሎምን” ክትብል ዳይረክተር ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ስቶክሆልም ንሬድዮ ሽውደን ሓቢራ’ላ። እዚ ስጒምቲ ነቐፌታ ኣስዒቡ’ሎ። እንተኾነ ግና እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝሃቦ መልሲ” እዞም ስምዕታታት ኣእመንቲ ኣይኮኑን፡ ንቘልዑ ካብ ጎነጽን ስእለ ጽዩፍን ክንከላኸለሎም ከኣ ሓላፍነት ኣሎና” ኢሎም ኣለዉ።