ባዕላዊ መርመራ ኮሮና ካብ ዕለት 02/07/2020 ጀሚሩ ኣብ ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድ ክጅምር ምኻኑ ተፈሊጡ።
ምዝጉብ ነባሪ ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድን ዕድሜኻ ድማ ልዕሊ 15 ዓመት እንተድኣ ኮንካ እሞ ድማ ከም ረስኒ፡ ሰዓል፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት፡ ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ፡ ናይ ጎረሮ ቃንዛ፡ ሕማም ርእሲ፡ ዕግርግር፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን መለጋግቦን፡ ውጸኣትን ምጥፋእ ናይ ምጭናውን ምስትምቓርን ዓቕሚ ዝኣመሰሉ ምልክታት ሕማም ኮሮና እንተድኣ ተራእዮምኻ (ተሰሚዖምኻ) ኣብቲ ናይ ኣሃዱ ጥዕና ኤሌክትሮኒካዊ ገጽ (1177) ባዕልኻ ብምእታው ናውቲ መመርመሪ ካብቲ ዝደለኻዮ መደበር ጥዕና ክትእዝዝን ስም ናይ ወኪልካ ክትጽሕፍን ትኽእል። እቲ ወኪል ኮይኑ ዝመጽእ ሰብ ድማ ጥዕንኡ ዝተረጋገጽን ካብ ሕማም ኮቪድ- 19 ነጻ ክኸውንን ዝግባእ ኮይኑ ነቲ ናውቲ መመርመሪ ንኽቅበል ድማ ወረቐት መንነት ናይ ገዛእ ርእሱን ናይቲ ዝሓመመ ሰብን ክማላእ ኣለዎ ክብሉ ሰብ መዚ ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ገሊጾም።
ግዝያዊ ነባሪ’ቲ ምምሕዳር እንተድኣ ኮንካ ግን ናብ ኣሃዱ ጥዕና ብምድዋል ኩነታት ጥዕናኻ ክግምገምን ኣድላይ እንተድኣ ኮይኑ ድማ ናብ መደበር ኣሃዱ ጥዕና ክትከይድ ይግባእ።
ናውቲ መመርምሪ ዝበሃል ሰለስተ መድረዚ ጡጥ ዘጠቓልል እዩ። ቀዳመይቲ ጡጥ ንምራቕ (ንጥፍጣፍ)፡ ካልኣይቲ ጡጥ ንጎረሮ፡ ሳልሰይቲ ጡጥ ድማ ንኣፍንጫ መድረዚ ዝኸውን እዩ። ንኣገባብ ኣጠቓቕማ ዝምልከት ድማ ኣብቲ ናይ ኣሃዱ ጥዕና ኤሌክትሮኒካዊ ገጽ (Vårdguiden 1177) ዝርከብ ፊልም ክትዕዘብ ከም ትኽእል በዓል መዚ ጥዕና ሓቢሩ።
እዚ መርመራ ናይ ቫይረስ ኮሮና ድኣ እምበር፡ ናይ ጸረ-ህዋሳት መርመራ ኣይኮነን። ኣብ ቀጻሊ፡ መርመራ ጸረ-ህዋሳት ንምክያድ ድማ መጽናዕቲ ይግበር ከምዘሎ ሰብ መዚ ጥዕና ሓቢሮም።