ክሳብ 2035 ኣብ ዘሎ ዓመት ጸሓያዊ ጸዓት ኣመሪካ ካብዚ ዘለዎ 3% ናብ 40% ክብ ክብል ከም ዝኽእል ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
እዚ ማለት ትካላትን ኮምፖነንትን ንምህናጽ ሓድሽ ድጎማ ቀረጽ ክግበር እዩ። ምምሕዳር ባይደን ጸሓያዊ ጸዓት ስራሕ ዝፈጥር ወፍሪ ክሊማ ንምግባር ወፍሪ ጀሚሩ ምህላዉ ትማል ሰሉስ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ጸሓያዊ ጸዓት ኣመሪካ ኣብ ዝቕጽል 15 ዓመታት ካብዚ ዘለዎ 3% ናብ 40% ክብ እንድሕሪ ኢሉ ን 1.5 ሚልዮን ሰባት ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍት ምዃኑ ተንተንቲ ኢንዱስትርያዊ ቊጠባ ይገልጹ።
ነዚ ወፍሪ ተባሂሉ ናይ ጃደ ትሪልዮን ዶላር ባጀት ብ ሰኔት ጸዲቑ ኣሎ።