ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት መንበሪ ገዛ ንምርካብ ሪጋ ጌሮም ይጽበዩ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚ ኩነታት ድማ፡ ሓደስቲ ሰባት፡ ገዛ ንኽረኽቡ ኣሸጋሪ ይገብሮ።
መንጎኛ ናይ ኣባይቲ ኩባንያ ዝኾነት ሬንትኔት (Rentnet)፡ ኣብ ክንዲ በቲ ዘሎ ሪጋ ትኽተል፡ ኣብ ውልቃዊ ታሪኽን ናይ ስራሕ ተሞክሮን ካብ ተኻረይቲ ብዝተጻሕፈ ውልቂዊ ደብዳቤታትን ምርኩስ ብምግባር ገዛውቲ ትዕድል ብምህላዋ፡ ዘይፍትሓዊ ስራሕ ፈጺማ ተባሂሉ ብዝተፈላለዩ ወገናት ብዙሕ ነቐፌታታት ወሪድዋ። ገለ ካብቶም ተኻረይቲ ግን፡ እዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ብዙሕ ግዜ ከምዝቖጠበሎም ይዛረቡ ክብል ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።
እዚ ዓይነት ኣገባብ ፍትሓዊ ከይከውን ይኽእል እዩ። ነቶም ኣብ ሪጋ ብምጽባዮም መንበሪ ገዛ ንኽረኽቡ ዕድል ዘይብሎም ሰባት ንምሕጋዝ ኢልና ንገብሮ ኣገባብ እዩ ክብል ኣብ’ታ ኩባንያ ሓላፊ ዝኾነ ሚካኤል ስትራንድቤሪ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።