ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣኽረርቲ የማናውያን፡ “ቁርኣን” እናኣንደዱ እንከለዉ ዘርኢ፡ ብማሕበራዊ መራኺቢታት ዘመሓላለፍዎ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብ ከተማ ማልመ፡ ዓቢ ናዕቢ ከምዝተላዕለ ፖሊስ ሓቢሩ።
ብመሰረት ክኢላ ጸጥታዊ ጉዳያትን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስትራተጂ ከተማ ማልመ፡ ፒር ኤሪክ ኢፒስቶል፡ እቲ ፍጻሜ ናዕቢ፡ ሃይማኖታዊ ድፊኢት ዘይብሉ እዩ ክብል ከምዝገለጾን ምምሕዳር ከተማ ድማ ንገለ ካብቶም ኣብ ናዕቢ ዝተስተፉ ሰባት ከምዘለለዮምን ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ ዝምባለ ዘለዎም ሰባት ከምዘይኮኑን ነዚ ናዕቢ ንኽፍጽሙ ካብ ካልእ ቦታ ናብ ስኮና ዝመጹ ሰባት ከምዘለውን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።
መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ነቲ ኩነታት ንኸረጋግኡ፡ ኣብቲ ቦታ ከምተረኽቡን እንተኾነ ግን ኣብ ጽርግያታት ጎማታት መካይን ብዘቃጽሉ ውሱናት ሰባት፡ እቲ ኩነታት ናብ ናዕቢ ተሰጋጊሩ። ኣንጻር ሴማውያን ዝዓለመ ጭደራታት ይስማዕ ከምዝነበረ ኢፒስቶል ገሊጹ።
እዞም ከምዚ ዓይነት ፍጻሜታት፡ ሃይማኖታዊ ዘይኮነ፡ ካልእ ዕላማ ዝሓዘለ ምዃኑ ንጹር እዩ ክብል ወሲኹ።