ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ልዕሊ 3000 ጥርዓናት ካብ ምምሕዳራት ሽወደን ከም ዝበጸሖ ሓቢሩ። ምኽንያት ናይ ጥርዓን ድማ ሓደስቲ ንዝመጹ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንምጥያሶም ምእንቲ ተወሳኺ ሓገዛት ንምሕታት ብመንገዲ ኣብ ምምሕዳራት ዝርከባ ቤት ጽሕፈታት ኢሚግረሽን ዝቐረበ ጥርዓን ምዃኑ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ።
ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ዝስከም ኣካል መን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ: እቲ ኣብ መንጎ ምምሕዳራትን ማእከላይ መንግስትን ዝጸንሐ ርክባት ክዛይድ ከም ዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይእምት። ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ሽወደን ንሓደስቲ መጻእቲ ተባሂሉ ዝወሃብ ሓገዛት ከም ዘየለ ምስ ሓበረ: ብዙሓት ምምሕዳራት አንጻር መንግስቲ ጥርዓነን አቕሪበን።
ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ቁጽሪ ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ስደተኛታት እናዛየደ ኣብ ዝመጻሉ እዋን: ኩለን ምምሕዳራት ስደተኛታተ ንኽቕበላ መንግስቲ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከም ዝነበረ ይዝከር። እንተኾነ ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ነዚ ዝተዋህበን ዕማም ከተግብረኦ ከምዝኸብደን እተን ምምሕዳራት ገሊጸን።