ሓፈሻዊ ክታበት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ሰባት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ማእከላት ጥዕናን እንዳ መናበይ ዓበይትን ከምኡ ውን ኣብ ኣባይቲ ብምኻድ ክታበት ጸረ ኮሮና ንኽህባ ይውጥና ምህላወን ምምሕዳራት ሽወደን ይገልጻ ምህላወን መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።
ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ መስርሕ ክታበት ኮሮና ክጅምር ትጽቢት ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ገጽ ክታበት ክወስዱ ቀዳምነት ዝዋሃቦም፡ እቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ክፋል ሕብረተሰብን ኣባላት ኣሃዱ ጥዕናን ኣለይቲ ሕሙማትን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ብመሰረት ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ በዓል መዚ ጥዕና ሸወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ቀዳምነት ተዋሂብዎም ዘለዉ ሰባት 2 ሚልዮንን 640 ሽሕን ዝበጽሕ ኮይኑ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ዝበሃሉ ድማ ኣብ መንጎኦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።
ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ናይ ምሟት ዝዓበየ ረቛሒ፡ ዕድመ ስለዝኾነ፡ ኣብ መንጎ ወዲ 70 ዓመትን ዘሎ ናይ ተጻዋርነት ዓቕምን ኣብ ወዲ 90 ዓመት ዘሎ ተጻዋርነትን ብምጥቓስ ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ሓላፊት ምድላዋት ንቅልውላው ዝኾነት ኣነተ ርቻርሰን፡ ገሊጹ።
መድሃኒት ክታበት ኮሮና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ካብ 5 ክሳብ 10 ዶዝ ኣብ ዝሓዛ ጠራሙዝ ዝወሃብ ኮይኑ፡ መርፍእን ካልእ ናይ ሕክምና መሳለጥያታትን ብምምሕዳራት ክቐርብ ምዃኑ ኣወሃሃዲ ሃገራዊ ክታበት፡ ሪቻርድ ፐርስትሮም፡ ሓቢሩ።
ብዙሓት ምምሕዳራት፡ ሕክምናዊ መሳለጥያታት ኣብ ምድላው ምሽማትን ዝርከባ ኮይነን፡ ከም ኣብነት፡ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ን 1 ሚልዮንን 125 ሽሕ ዶዝ ዝኸውን መራፍእ ኣዚዙ ከምዘሎ ይፍለጥ።
መስርሕ ክታበት ኮሮና፡ ኣብ ማእከላት ጥዕና፡ ሆስፒታላት፡ ማእከላት መወልዳን፡ ቤት ትምህርታት፡ ናይ ክታበት ሕክምናታትን ኣብ ማእከላት ሞያዊ ጥዕናንን ክካየድ ከምዝኽእል ምምሕዳር ቨስትራ ጎትላን ሓቢራ።
ሓላፊ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ንሰባት ኣብ ገዝኦም ብምኻድ መድሃኒት ክታበት ኮሮና ክንከትቦም፡ ተኽእሎታት ኣሎ ክብል ከምዝገለጸ ይዝከር።
ኣብ ናይ ክታበት ኑቕጣታት ንዝፍጠር ጻዕቂ ብምጉዳል፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ክውሕድ ስለዝኽእል፡ ሰባት፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ብመንገዲ Vårdguiden 1177 ኣቢሎም ናይ ክታበት ቆጸራ ክሕዙን እቶም ተነቀፍቲ ኣባላት ሕብረተሰብ ዝበሃሉ፡ ኣብ ክንዲ ተሰሪዖም ቀንፈዘው ዝብሉ ስሉጥ ኣገልግሎት ክታበት ክረኽቡ ፍሉይ መደቡ ተወጢኑ ኣሎ ክትብል ኣኔት ሪቻርድሰን ሓቢራ።
ገለ ካብ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ዓበይቲ ናይ ግዳም ቀንዲ ማእከላት ክታበት ሃኒጸን ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ልዑል መጠን ዛሕሊ ዘድልዮ ክታበት ኮሮና ብዝምልከት፡ መጽናዕታት ኣብ ምክያድ ተጸሚደን ምህላውን ተፈሊጡ ኣሎ።