ኣብቶም ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣብ ዝጋብኡ (ዝሳለጡ) መንግስታዊ ዋዕላታት፡ መንግስቲ ኣብ ኩሎም መንግስታዊ ውሳኔታት ናይ ሓባር ውሳኔታት ይውስን።
መንግስቲ ውሳኔ ንኽውስን፡ ብውሕዱ 5 ሚኒስተራት ክርከቡ ኣለዎም። እዞም ዕላውያንን ናይ መወዳእታን ዝኾኑ መንግስታዊ ውሳኔታት’ዚኦም ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሑ ዝኽተሉዎ መስርሕ ነዊሕ ግዜ እዮ ዝወስድ።
መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ናይ መንግስቲ ውሳኔ ዝትግበር ድሕሪ ዕላዊ ዝኾነ ናይ በዙሕ ኣዋርሕ ዕዮታት ስዒቡ እዩ። ሓደሓደ ግዜ ሓደ ዝተወሰነ ክፋል ናይ ሓደ ዕዮ፡ ሓላፍነት ናይ ብዙሓት ሚኒስተራት ዝጠልብ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ውሳኔ በቲ ናታቶም ስታፍ ኣቢሉ ብሓባር እዩ ዝዳሎ። እቲ ውሳኔ ናብ መንግስቲ ቅድሚ ምቕራቡ ኩላቶም እቶም ሚኒስቴራት ዝተሳማምዑሉ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዓመት ኣስታት 6,000 ዝኾኑ ውሳኔታት እዮም ዝውሰኑ።
ብዛዕባ “ውሳኔ ቅድሚን ድሕሪን ምውሳኑ” ብዝምልከት፡ ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ regeringen.se ተወከሱ።