ሳዕሪ ኣብ ክንዲ ንሳዕሪ በላዕ እንስሳታት ኣብ መጻኢ ንደቂሰብ ከም መግቢ ዘገልግለሉ ኣገባብ ንምምሃዝ ቶሪቦዳ ሓደ ውጥን ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ክብክ SVT ሎሚ ሓቢሩ።
“ፈለማ ን ሓሰማታት ኣብ ዝተናውሐ ድማ ንደቂ ሰባት ኣውራ ናይ ፕሮቲን ቀረብ መግቢ ክህልወና እዩ” ክብል ፕሮጀክት ማናጀር ኣንድርያ ኤሰን ይገልጽ።
እዚ ምህዞ ባዮሎጂካዊ ፍሊተር ዝተሰምየ ኮይኑ ብ ቆንስል ምቁጽጻርን ምክያድን ተፈጥሮ ከም ዝድገፍ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ። እዚ ፍሊተር ንከብቲ ዝኸውን ጥረ መግቢ ከምቲ ንሓሰማ ዝቕረብ ፕረዠራይዝድ ፈሳሲ ጌሩ ከም ዘዳሉን: ሰባት ይኹን እንስሳታት ክምገብዎ ዝኽእሉ ናይ ፕሮቲን ፔስት ክቕየር ከም ዝኽእልን ድማ ተገሊጹ። “ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ናብኡ ኢና” ድማ ኢሉ።
ሳዕሪ መግቢ ከብቲ ክኸውን ከም ዝዳሎን በዚ መስርሕ ኣቢሉ ድማ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንዝህሉ ሶያቢን ክትክእ ከም ዝኽእልን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ከም ስነህይወታዊ ጸዓት ከገልግል ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
“እዚ ማለት ፕሮቲን ኣብ ክንዲ ንገዝእ ባዕልና ከነዳሉ ክንክእል ኢና ማለት እዩ” ይብል ኤሰን። ኣብዚ ግዜዚ ቀዳማይ ደረጃ ባዮሎጂካል ፊልተር ምዝዛሙ: እዚ ኣብ ምስፍሑ ድማ ካብኡ ባዮጋዝ ምውጻእ ከም ዝከኣል ተገሊጹ’ሎ።