እታ ብረቡዕ መዓልቲ፡ ሓዳሽ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናይ ሽወደን ዝኾነት፡ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት፡ ስልጣና ብድሌታ ሓዲጋቶ። ነዚ ከም ዋና ምኽንያት ዝቐረበ ድማ፡ እቲ ንሳ ዝተጸበየቶ ባጀት ስለዝተነጽገን ብተወሰኺ’ውን መላፍንቲ ናይቲ መንግስትነት ዝነበረ ሓደ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ፡ ካብቲ መንግስቲ ብምልቃቑ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ንሳ፡ ከም መራሒት ናይ ሓደ ውድብ ጥራሕ ኮይና ክትምለስ ድልየት ኣለዋ።
ኣንደርሾን፡ “ብመሰረት ቅዋማዊ ልምዲ፡ እንድሕር ሓደ ውድብ ተፈልዩ ኸይዱ፡ እቲ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ስልጣኑ ከረክብ ኣለዎ” ትብል፡፡
ነዚ መደረ ዘስመዐቶ ድማ ኣብቲ ፓርላማ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ነይሩ።
ወሲኻ’ውን ኣንደርሾን፡ “ምስቲ ፕረዚደንት ተራኺበ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ንኽለዓል ሕቶ ኣቕሪበሉ” ትብል።
ንሳ፡ ከም መራሒት ናይ ሓደ ውድብ ጥራሕ ኮይና ክትምለስ ዕላማ ኣለዋ። እቲ ኣባል ፓርላማ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንኽትከውን ድጋፉ ከምዝሃባን፡ እቲ ድጋፍ ድማ ከምዘይተቐየረን ኣብሪሃ።
እዚ ኣካይዳ፡ ብጣዕሚ ሕንክርክር ዝበለ ከምዝመስል ይርዳኣኒ’ዩ ክትብል’ውን ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ መግለጺ፡ ሳዕቤን ናይቲ ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ እቲ ግሪን ፓርቲ (ሚልዮፓርቲየት) ዝባሃል ሰልፊ ካብቲ መንግስትነት ክወጽእ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ እቶም ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ስቬርያ ዲሞክራትና“SD” ምስ ሞደራትና“M”ን ክሪስ ዲሞክራትናን“KD” ተደራዲሩ ብዘምጸኦ ባጀት ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ባጀት ስዒሩ ተቐባልነት ባይቶ ስለዝረኸበን እቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ባጀት ድማ ብሰንኪ ሰልፊ ሰንተር ድምጺ ዘይምሃቡ፡ ክሰዓር ብምኽኣሉ እዩ።
እቶም ሰለስተ ሰልፍታት እቲ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ፓርላማ ሽወደን ኣብ ዝነበረ ክይዲ እዮም ነቲ ኣንደርሾን ዘቕረበቶ ሓሳብ 154 – 143 ብምስዓር፡ ናቶም ባጀት ክጸድቕ ዝገበሩ።