ኣብ ማዳጋስካር ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መግቢ፡ ምስ ምልዋጥ ክሊማ ምንም ምትሕሓዝ ከም ዘይብሉን ብኻልኦት ረቛሒታት ከም እተኸስተን ነቲ ጒዳይ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ኣቐድም ኣቢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ እዚ ቅልውላው መግቢ፡ ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ እዩ። ጠንቂ ናይዚ ቅልውላው፡ ድኽነትን ምስ ዓለማዊ ምቅይያር ክሊማ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ዘይምቹእ ክሊማዊ ኲነታት ምዃኑ እዚ ብጒጅለ ኣህጒራውያን ተመራመርቲ እተኻየደን ብ World Weather Attributes ዝተሓትመን ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ኣብ ማዳጋስካር፡ ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ወቕቲታት፡ መጠን ዝናብ ካብቲ ንቡር ማእከላይ ገምጋም ብ 40% ዝወሓደ ምንባሩን ኣዝዩ ከቢድ ደርቅን ምንቊልቋል ምህርቲን ክኽሰት ከም ዝገበረ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ብሰንኪ ዓለማዊ ምቅይያር ክሊማ ኣብ ማዳጋስካር ጥሜት ዝመስል ኲነታት ዝተኸስተላ ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና ኣላ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ልዕሊ 90% ካብ ህዝቢ ደቡባዊ ማዳጋስካር ኣብ ድኽነት ከም ዝነብሩን ሓረስቶት፡ ኣብ ወቕቲ ዝናብ ጥራይ ብምምርኳስ፡ ከም ዝሓርሱ፡ ጸብጻባት የመልክቱ።