ገሊኦም ማዕከን ዘርኢ (gene) ንምድኻም ሳንቡእን ብኮቪድ ዝስዕብ ሞትን ተነቀፍቲ ምዃኖም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኣፍሊጦም።
60% ካብ ዓሌት ደቡብ ኤስያን 15% ኣውሮጳዊ ዓሌት ዘለዎምን ኣህዛብ ከምዚ ዓይነት gene ከም ዘለዎምን እዚ ሽግር ዝፍታሓሉ ሓደ ኣገባብ ምሉእ ክታበት ኣብ ዝቐልጠፈ ምክያድን ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ።
The Nature Genetics Study ዝተባህለ ጒጅለ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገለ ማሕበረሰባት ብሪጣንያን ደቡብ ኤስያን ንኮቪድ ተነቀፍቲ ዝኾኑሉ ምኽንያት ምስ genes ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ’ሎ።