ሓለፍቲ ዓበይቲ ኲባንያታት ሚድያ ሽወደን እንተላይ ሬድዮ ሽወደን ነቲ ማዕከናት ዜና ሽወደን ነቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ብዘውረደቶ መጥቃዕቲ ዘለወን ተቓውሞ የስምዓ ኣለዋ። ንሳተን ቻይና ንጋዜጠኛታት ሃገራ ብምእሳራን ንናጻ ፕረስ ትዕንቅፍ ምህላዋን ብምኽሳስ ሓሙስ መዓልቲ ንኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሽወደን ተቓውሞአን ገሊጸን ተባሂሉ።
ማሕበር ሚድያ ሽወደን Utgivarna መንግስቲ ንተግባራት ቻይና ኣብ ቅድሚ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንኸልዕሎ ድማ ጸዊዑ’ሎ። ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሽወደን ንናጻ ፕረስ ዘለዎ ንዕቀት ደጋጊሙ ክገልጽ ምጽንሑ ድማ ኣመልኪቱ። እዚ መግለጺ ከምኒ ሬድዮ ሽወደንን ተሌቪዥንን ማሕበር ኣሕተምቲ ፕረስ፥ ቦኔር ኒውስ ማቲሚድያን ዳገንስ ኣርበተን ዝርከብዎም ብዓበይቲ ኲባንያታት ሚድያ ከም ዝተኸተመ ድማ ተፈሊጡ።