ብመሰረት ማእከል ቛንቛታት ሽወደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዘውጽኦ መግለጺ ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ ንውድኦ ዘለና ዓመት ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ ህዝባውን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ማዕከናት ዜና ብብዝሒ ኣብጥቅሚ ዝውዓሉን ንድሕር ሒጂ ኣብ ጥቅሚ ቛንቛ ሽወደን ዝውዕሉ 40 ሓደሽቲ ቃላት ኣብ ዝርዝር ቃላት ቛንቛ ሽወደን ተመዝጊቦም ከም ዘለው እቲ ትካል ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ ዳርጋ መብዛሕትኡ ናይቶም ቃላት ዓብላሊ ተራ ንጉዳይ ለበዳ ኮረና ዝምልከት ሙዃኖም እዩ።