ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ 497 ሽሕ ብምብጽሑ ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 9% ክብ ኣቢልዎ ይርከብ። ምስቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት/2019 ዝነበረ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት ብ 110 ሽሕ ከምዝወሰኸን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ብ 1.9% ምውሳኹ ጸብጻባት ማእከል ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ሽወደን ገሊጾም ክብል TT ሓቢሩ።
ኣብ መላእ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይ ሰራሒ ዓቕሚ ሰብ ብ 34 ሽሕ ብምጉዳሉ ናብ 5 ሚልዮንን 23 ሽሕን ወሪዱ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ መጠን ብዝሒ ሽቕለት 66.7% በጺሑ ኣሎ።
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ዓመት ውን ክውስኽ ምዃኑን ክሳብ 600 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ዕዮ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገምጋሙ ገሊጹ። በዚ ኩነታት ዝያዳ ዝጉድኡ እቶም ቕድሚ ቅልውላው ኮሮና ስራሕ ኣልቦ ዝነበሩን ኣብ ደገ ዝተወልዱን ክኾኑ ከምዝኽእሉ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ገሊጹ።