ማእከላይ ባንክ ሽወደን፥ ሎሚ ከምቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ ናህሪ ዋጋታት ንምግታእ ዕየራ ወለዱ ናብ 4% ከምዘዕበዮ
ተገሊጹ። “ሪክስባንክ” ብተወሳኺ ”ጸቕጢ ዋጋታት ኣቕሑ ገና ኣዝዩ ልዑል ብምህላዉ” ተወሳኺ ወሰኽ ክገብር ከምዝኽእል
ኣጠንቂቑ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ቁጠባ ሽወደን ኣብዚ ዓመት ብ 0.8% ሚእታዊት ክጎድል ትጽቢት ከም ዘለዎ ወሲኹ
ገሊጹ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና፥ ማእከላይ ባንክ ኖርወይ ነቲ ቀንዲ ወለድ ናብ 4.25% ከምዘዕብዮ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።
ተወሳኺ ወሰኽ ወለድ ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክመጽእ ከምዝኽእል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ቅድሚ’ቲ ናይ ሓሙስ ዜና ወሰኽ
ምውጽኡ፡ ብዙሓት ተንተንቲ፡ እቲ መጠን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ–ማለት 4.25%–ክበጽሕ’ዩ ዝብል እምነት ነይርዎም።
“ወሰኽ ወለድ ኣድላዪ ድዩ ኣይኮነን ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ዝምርኮስ እዩ። ምናልባት ንፖሊሲ ወለድ ሕጂ ሓደ ግዜ፥ ጸኒሕና ድማ
ኣብ ታሕሳስ ከነዕብዮ ኢና” ክትብል ኣመሓዳሪት ባንክ ኖርገስ ኢዳ ወልደን ባቸ ገሊጻ’ላ። ብቐጻሊ ዝውስኽ ዘሎ ልዑል ዋጋ
ኣባይቲ ምኽንያት ናይቲ ልዑል መጠን ወለድ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
"ኣብ መጻኢ ንዝተወሰነ እዋን ወለድ ናይ ምውሳኽ ኣድላይነት ኣሎ" ይብል ባቸ። ኖርጀስ ባንክ፡ ማእከላይ ወለድ ንብረት ትሕጃ
ኣብ 2025 ምንቁልቋል ቅድሚ ምጅማሩ ናብ 5.7% ክዓቢ ትጽቢት ኣለዎ፡፡ ምስ ምውሳኽ ደሞዝ ኣብ ሓጺር ግዜ ዋጋታት
ንብረት ክውስኽ ከምዝኽእል እውን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
“ንቕድሚት ወሰኽ ዋጋታት ንኽቕጽል ክሕግዝ እዩ። ዋጋታት ዝቕባበ ንነዊሕ እዋን ብዝጸንሐ መጠን ሓደጋኡ ዓብዪ እዩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ወለድ ኣዝዩ ብቕልጡፍ ብምውሳኹ፡ ገንዘባዊ ፖሊሲ ሕጂ ኣብ ቁጠባ ዝያዳ ጽልዋ የሕድር ኣሎ። እቲ ኮሚቴ
ነቲ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ንምብዳህ ካብቲ ዘድሊ ንላዕሊ ወለድ ክውስኽ ኣይደልን እዩ” ክብል እቲ ባንኪ ኣብ ዝሃቦ ገምጋም ጽሒፉ።