ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ፡ ልዑል መጠን ዝቕባበ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ን መዐየሪ ወለዱ ብርብዒ ሚእታዊት
ብምውሳኽ ናብ 3.75 ሚእታዊት ከም ዘዕበዮ ተገሊጹ። እዚ ወሰኽ ወለድ ብብዙሓት ተንተንቲ ቁጠባ ትጽቢት ክገብሩሉ
ዝጸንሑ ኮይኑ፡ መጠን ዝቕባበ ግና ካብቲ ማእከላይ ባንክ ሸቶ ዝገበሮ 2 ሚእታዊት ዝልዕል እዩ።
ሪክስባንክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ን ቀንዲ መጠን ወለድ ብፍርቂ ሚእታዊት ከም ዘዕበዮን ዝፍለጥ
ኮይኑ፥ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ ኣብዚ ዓመት እንተወሓደ ሓደ ተወሳኺ ወሰኽ ከም ዝገብር ኣተንቢሁ’ሎ።