ሚኒስተር ዕዮ ኢቫ ኖርድማርክ ንማርያ ሚንድማር ዳይረክተር ጀነራል ቤትጽሕፈት ዕዮ ጌራ ምምዛዛ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። እዛ ሓዳስ በዓልቲ መዚ ኣብ በዓልመዚ ቀረጽን ትካል ሃገራዊ ትምህርትን ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ስራሕ ተመኲሮ ዘለዋ ኣብ ልዕሊ ምዃና ዳይና ኮይና ምግልጋላ’ውን ተገሊጹ። ንሳ “ዓብዪ ሓላፍነት ኢና ተሰኪምና ዘሎና፥ ካብዚ ዘልሓጥ ምባል ፍጹም ክንሓስቦ የብልናን” ክትብል ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ቃላ ሂባ። መንግስቲ ነቲ ኣብ መንጐ ጸጋማዊ ሰልፊን በዓልመዚ ዕዮን ዘሎ ውጥረት ንምልሕላሕ ድሌት ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ።
ምኽንያቱ ሚኒስትሪ ዕዮ ሰራሕተኛታትን ጨናፍሩን ከጒድል እንተኾይኑ ጸጋማይ ሰልፊ ክህቦ ዝጸንሐ ድጋፍ ከም ዘቋርጽ ደጋጊሙ ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ ኣብ ሓፈሻዊ ኣካያድነት ዝርከብ ሚካኤል ሾበርግ ስርሑ ኣብ ዝመጽእ መጋቢት ከቋርጽ እዩ። ሚኒስተር ኖርድማርክ ኣብ ዝሃቦ ቃል ማርያ ሚንድማር ንዝመጽእ 6 ዓመታት ብቕጽበት መዝነቱ ክትቅበሎ ምዃና ኣፍሊጡ’ሎ።