ትካል ግብረሰናይ ዝኾነ ማሕበር መንሽሮ ሽወደን–“ካንሰርፎንደን”–፡ ን ፍርያት ኣልኮላዊ መስተን ጸረ-ባልዕን ዘጠቓለለ
ልዕሊ 100 ሚልዮን ክሮና ዝኸውን ናይ ሓባር ወፍሪ ከም ዝገበረ፥ ኣብ ቫርምላንድ ዝርከብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቻነል ሬድዮ ሽወደን
ሓቢሩ። ማሕበር መንሽሮ ሽወደን ኣብ ምርምር መንሽሮ ዝዓበየ ኣበርክቶ ይገብሩ ካብ ዘለዉ ትካላት ሓደ ኮይኑ ኮይኑ፡ ኣብ
ፖሊሲኡ ገንዘባዊ ወፍሩ ንጥዕና ደቂ ሰባት ዝጎድኡ ከም እኒ ኣልኮላዊ መስተ ዝኣመሰሉ ፍርያት ከጠቓልል ከም ዘይብሉ እዩ
ዝገልጽ።
ኣልኮላዊ መስተን ገለ ጸረ-ባልዕን ኣብ ሰባት መንሽሮ ናይ ምምዕባል ሓደጋ ክውስኹ ይኽእሉ እዮም፥ በዚ ድማ እቲ ትካል
ንወፍሪታቱ ልዑል ጥንቀቓ ይገብረሎም ከም ዘሎ ኣመልኪቱ’ሎ።