ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ዉሕስነት ንንሕሙም ዕረፍቲ ዚኸውን ኮድ መርመራ ብቐጥታ ኻብ መዛግብቲ ሕክምና ኺርከብ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ይምርምር ።
እቲ ተክኖሎጂ ስሉጥ እኳ እንተ ዀነ እቲ ሕቶ ግና ብሕጋዊ መገዲ ዚቕጽል እንተ ዀይኑ እዩ ምርመራ ከካይድ እዩ።
ኣብ ፈለማ ካብ ሓደ ወርሒ ዘይበዝሕ ዕረፍቲ ኽትረክብ ኢኻ እትጽዕር። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ዉሕስነት ንሓጺር እዋን ንዝሓመሙ ሰባት ዝኸውን ዝያዳ ግዜ ኽህልዎ ኢዩ ዝብል ኢዩ።
እቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ በቲ ዝሓመመ ሰብ ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ ። ምስ ናይ ባንክ መሐበሪ ወረቐት ኣብ ዚተሓሓዝ ኣፕሊኬሽን ኪግበር ከምዝካኣልን ዝገልጽ እቲ ቤትጽሕፈት፣ ካልእ ኣማራጺ ኸኣ እቲ ሓኪምን እቲ ዝሓመመ ሰብን ኣብ እዋን ምብጻሕ ነቲ ናይ ምርመራ ኮድ የቕርቡሉ ።
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ዉሕስነት ብተመክሩኡ ቅድሚ ሕጂ ምስዚ ዚመሳሰል ሓበሬታ ካብ መዝገብ ሕክምናን ክንክንን ኣስናን ከምዝሰራሓሉ ይገልጽ ።
እቲ ናይ ዳህሳስ ፕሮጀክት ምስ ማሕበር ንግዲን ወሃብቲ ስራሓት ከምኡ እዋን ትካል ጥዕና ንትካላት ብምትሕብባር ኢዩ ዝፍጸም ። እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝሓበሮ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ሓድሽ ኣሰራርሓን ብሉዑል ተክኖሎጅካዊ መሳርሒታት ክንጥቀምን ነቲ ቢሮክራሲያዊ ሕልኽልኽ ኽንንንክዮን ኢና ” ኢሉ ከምዛምን ሓቢሩ።