ማሕበራዊ ተነጽሎን ብሕትውናን ኣብ ሽወደን ዓብዪ ጸገም ምዃኑ ተገሊጹ። ዓሚ 300 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቤቶም ምሟቶም
ከይተፈልጠ ወርሒ ዝኸውን ከም ዝገበሩ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ካልኦት ዓሰርተ ሰባት ድማ ምሟቶም ድሕሪ ሓደ ዓመት
ክፍለጥ ከም እተኻእለ “ሃገራዊ ቦርድ መርመራዊ መድሃኒት” ን 2022 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ሬድዮ ሽወደን ነዚ ኣመልኪታ ን ኣካያዲት ስርዓተ ቀብሪ ኣዘራሪባ ኔራ። ንሳ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ብዘይቀባሮ ሓመድ ድበ
ዝለብሱ ሰባት ብቚጽሪ እናወሰኹ ምምጻኦም ገሊጻ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሽወደን፥ በይኖም ዝነብሩን ሞይቶም ንእተረኽቡን
ሰባት ናይ ቀረባ ዘመድ ኣብ ምእላሽ ዝሰርሕ ሰብ ብወገኑ፥ ብሓደ ሰብ ጥራይ ተሰንዩ ሓመድ ድበ ዝለበሰ ሰብ ከም ዝፈልጥ
ገሊጹ’ሎ።