ከም ሓካይምን መምህራንን ዝኣመሰሉ ሰራሕተኛታት መንግስታዊ ጽላት፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ሰባት ናብ
ፖሊስ ክሕብሩ ብዛዕባ ዝለዎም ግዴታ ኣመልኪቱ መርመራ ክገብር ዝብል መምርሒ መንግስቲ ሓያል ኣሉታዊ ግብረ መልሲ
ተዋሂቡ። ብፍላይ ድማ ማሕበር ሓካይም ሽወደን “ኣነ ሓኪም እምበር ፖሊስ ኣይኮንኲን” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ነዚ ግዴታ
ነጺጎሞ ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝቕመጡ ሰባት ዛጊት መሰል ሕክምና፥ ንደቆም ከኣ መሰል ትምህርቲ ከም
ዝረኽቡ እቲ መርመራ ኣጣሊሉ’ሎ።
“ኣነ ሓኪም እምበር ፖሊስ ዶብ ኣይኮንኩን” ትብል ፕረዚደንት ማሕበር ሕክምና ሽወደን ሶፍያ ሪድግረን ስታል። ከምዚ ዓይነት
ጸገም ዘለዎም ሰባት ናብ ሕክምና ምምጻእ ከቋርጹ፡ ወይ ኣብዚ ትካላት ሕክምና ክሽቚረሩ ምስ ሞያዊ ስነምግባርና ዝሳነ
ኣይኮነን። ንሕና ሞያዊ ግዴታና ንሰባት ዘድልዮም ሕክምናዊ ክንክን ምሃብ እዩ። ዝተረፈ ግላዊ ሓበሬታ ንኣና ዝምልከት
ኣይኮነን” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ። ኣባል ባይቶ ሰልፊ ክርስትያዊ ዲሞክራሲ ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ኮሚተ ጥዕናን ድሕነትን
ባይቶን ክርስቲያን ካርልሰን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ንድሕነት ሽወደን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከቢድ ጸገም
ምዃኑ፡ እንተኾነ ግን እቲ መርመራ ካብዚ ሕጊ ወጻኢ ዝኾኑ ኲነታት ኣብ ግምት ዘእቱ ክኸውን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።