ብዓሌት ካብ ትጎጃጅሊ ንግዳያት ደግፊ ምስ ግዳያት ቫይረስ ክሮና ዝኾኑ ክፋላተ ሕብረተ ሰብ ደው ብምባል ሓገዝናን ደገፍናን ከነርእዮም ድኣ ይግበኣና እምበር ንሕብረተ ሰብ ብዓሌት ክንጎጃጅል ኣይግበኣናን ክብል ሓላፊ ማሕበረ ኮም ሶማል ኣብ ሽወደን፡ ሓባን ሓሰን፡ ኣብ መጽሔት ኣፍቶንብላደት ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፡ ንሓላፊት ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራት ዝኾነት ኢባ ቦሽ ጸዊዑ። ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ካብ ዝኾኑ ሓደ፡ ጽልዋ ባህላዊ ልምድታት ምዃኑን ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ሞበቀል ሶማል ዘለዎም ሽወደናውያን ዘጋጥም ዘሎ ተርእዮታት ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል።
20% ሽወደናውያን ካብ ፍሉይ ባህሊ ዘለዎም ቦታታት ዝመጹ ብምዃኖም መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ፖሊሲኡ ገለ ለውጥታት ከተኣታቱ ይግባእ ክትብል ትማሊ ኣብ ዘውጻኣቶ ዓንቀጽ ገሊጻ። ኣብ ማሕበረ ኮም ሶማላውያን ከምዝተዓዘብናዮ፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሶማላውያን ስድራ ቤታት ዘውረዶ ማሕበራውን ቁጠባውን ሃስያታት ከቢድ ምንባሩን ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ መንግስቲ፡ ፖለቲከኛታትን ማዕከን ሓበሬታን ዘውረዶ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣመልኪቱ፡ ሓባን ሓሰን ኣብቲ ዓንቀጹ ገሊጹ። ደቂ ሰባት እምበር፡ ቫይረስ ኮሮና ዓሌት ዘይፈሊ ሕማም እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ግዜ ኢባ ቦሽ ኣብ ጎኒ ግዳያት ደው ብምባል ብምጽንናዕን ሓድነት ሽወደናውያን ከተንጸባርቕ ዝግባኣ’ኳ እንተነበረ ንሳ ግን ንሕብረተሰብ ሽወደን ብዓሌት ክትፈላሊ መሪጻ።
ብሕማም ኮቪድ -19 ካብ ዝሞቱ ሽወደናውያን እቶም 15% ናይ ሶማል መቦቀል ዘለዎም ሽወደናውያን እዮም ክትብል ኢባ ተዛሪባ። ማሕበረ ኮም ሶማላውያን ኣብ ሽወደን ንኢባ እዚ ዝስዕብ ሕቶ ነቕርበላ፡ እቶም ዝተረፉ 85% ካበየናይ ዓሌት እዮም? ክብል ሓሰን ወሲኹ ኣብቲ ዓንቀጽ ኣስፊርዎ ይርከብ። ኢባ ቦሽ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ምውጻኣ ነቶም ጠንቂ ምእታው ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ዝኾኑ ዝሓሸ ናይ መነባብሮ ዕድል ዘለዎም ሰባት ንምሽፋን እዩ። ገለ ክፋል ሕብረተሰብና ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ቅሉዓት ኣብ ዝኾኑ ስራሓት ዝሳተፉ እዮም።
እዚኣቶም ከም መራሕቲ ታክሲ፡ መራሕቲ ኣውቶቡስ፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ሓካይምን ዝኣመሰሉ እቶም ዝተሓተ ናይ መነባብሮ ዕድላት ዘለዎም ሰባት ዝሰርሕዎ ዓይነት ስራሓት ኮይኖም ኣብ ኣገልግሎት ናይቶም ዝለዓለ ናይ መነባብሮ ዕድላት ዘለዎም ሰባት ዝውዕል እዩ ክብል ሓሰን ወሲኹ። እቲ ንሓደ ኣብ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ኣብ ጸባብ ገዛ ዝነብር ወዲ 80 ዓመት ሰብኣይ ዘጋጥሞ ጸገም ብማዕረ ምስቶማ ንምንሽርታት ናብ ጎቦታት ኣልፕ፡ ንምዝዋር ናብ ዓዲ ጣልያን ዝኸዱ ሰባት ዝወዳደር ኣይኮነን። ኢባ ቦሽ፡ ፖለቲካዊ ምኽሰባት ንምርካብ ኢላ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዓሌት ክተታሓሕዞ ምፍታና ዘሕትት ጉዳይ ምዃኑ ክብል ሓሰን ጽሑፉ ዛዚሙ።