16 ነፈርቲ ኲናት ቻይና: ክሊ ኣየረይ ጥሒሰን ድሕሪ ምባል: መንግስቲ ማሌዥያ: መብርሂ ንኽወሃባ፡ ንኣምባሳደር ቻይና ከም ዝጸወዐት ተፈሊጡ።
እተን ነፈርቲ፡ ብምብራቓዊ ሸነኽ ማሌዥያ፡ ርእሰ ምምሕዳር ሳራዋክ፡ ንዝርከብ ኣከራኻሪ ማያዊ ክሊ ከም ዝሓለፋ ተገሊጹ። መንግስቲ ማሌዥያ፡ ነዚ ተግባር፡ ሓደገኛ ጥሕሰት ሉኣላውነት ሃገር እዩ ክብል ኮኒንዎ ኣሎ። እንተኾነ ግና ቻይና ምንም ኣህጒራዊ ሕጊ ኣይጠሓስኩን ብምባል ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌራቶ’ላ።
ሃገራት ማሌዥያ፡ ፊሊፖንስ፡ ብሩኔይ፡ ቬትናምን ታይዋንን ነቲ ቻይና ኣብ’ቲ ኣካራኻሪ ባሕሪ፡ እጃመይ እትብሎ ክፋል፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ክቃወማ ከም ዝጸንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብፍላይ እዚ ውጥረት ዝያዳ ንሂሩ ከምዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ።
ሃገረ ቻይና፡ ኣብቲ Nine-line ብምባል ዝፍለጥ ቦታ: ደሴታት ምህናጽን ወተሃደራታ ምስፋር ምቕጻላን: በዘን ሃገራት ከም ስግኣት እኳ እንተተራእየ: እዚ ምንቅስቓስ ንሰላማዊ መዓላ ምዃኑ እያ፡ ቻይና፡ ትገልጽ።