ብ ኦስሎ ዝተወሰደ ሰብመዚ ሩስያ ናይ ምስጋጒ ስጒምቲ፥ “ኮነ ኢልካ ምስ ሩስያ ዘሎ ተጻብኦ ንምግዳድ ዝተገብረ እዩ” ክትብል
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ ዝሓለፈ ዓርቢ ገሊጻ።
ኖርወይ 15 ሰብመዚ ሩስያ ናይ ምስጓጒ ስጒምቲ ብምውሳዳ፥ ምስ ሩስያ እትጻባእ ሃገር ምዃና ዘረጋገጸ እዩ ዝበለት ዛካሮቫ፡
እዚ ተሪር ግብረመልሲ ክስዕቦ እዩ ክትብል ወሲኻ ኣመልኪታ።
“እዞም ሰብመዚ ሩስያ ዝኾነ ዘብጽሕዎ በደል የለን፡ እንተኾነ ግና ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዘን መራኸቢ ብዙሃን ኖርወይ
ነዞም ሰብመዚ “ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ይዋፈሩ ኣለዉ” ዝብል ጸለመ ከዋፍራ ምጽንሐን ንፈልጥ ኢና። እዚ ስጒምቲ ን ዝምድና
ሩስያን ኖርወይን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፥ ዘድሊ ግብረመልሲ ኸኣ ክንህበሉ ኢና” ኢሉ’ሎ እቲ መግለጺ።